ሌላ ምስ ሓዳስ ካሜራ Canon EOS R6 V #2026
ሰላም ኣባላት ዚኮ-ኣካደሚ ካኖን (Canon) ነታ ብሃንቀውታ ክንጽበያ ዝጸናሕና፡ ካሜራ ንቪድዮ Canon EOS R6 V ብወግዒ ተዘርጊሓ ኣላ። እዛ ካሜራ እዚኣ ብፍላይ ን (Content Creators) ተባሂላ ዝተሰርሐት ኮይና፡ ካብ ግንቦት 13, 2026 ጀሚራ ኣብ ዕዳጋ ትርከብ።
ቀንዲ ነጥብታት
  • Video-Centric Design: - እቲ ዝዓበየ ቆላሕታኣ ኣብ ቪድዮ ኮይኑ፡ ንጹርን ብሉጽን ዝኾነ 4K/8K ቪድዮታት ብዘይ ምቑራጽ ክትቐርጽ ትኽእል።
  • Full-Frame Mirrorless: -ዓቢ ሴንሰር (Full-frame) ስለዘለዋ፡ ኣብ ዝኾነ ናይ ብርሃን ኩነታት (ምሸት ጸልማት ቦታ እውን ከይተረፈ) ብሉጽ ቪድዮ ትቀርጽ።
  • ዝተመሓየሸ ምንቕስቃስ ዘወግድ (ባላንስ ሲስተም) (Stabilization): ንቪድዮ ዝኸውን ዝተራቐቀ ናይ ምርጋእ ዓቕሚ ስለዘለዋ፡ ብዘይ ትራይፖድ ብኢድካ ሒዝካ ንምቕራጽ ምችእቲ እያ።
  • AI Autofocus: -ንሰባትን ምንቅስቓሳትን ብቕጽበት እተለልየሉ ብሉጽ ቴክኖሎጂ ኣለዋ።
እዛ ካሜራ ንመን ትኸውን? (Target Audience)
  1. ዩቱዩበራትን ቪሎገራትን (YouTubers & Vloggers): ንገዛእ ርእሶም ክቐርጹን ጽሬት ዘለዎ ቪድዮ ክሰርሑን ንዝደልዩ።
  2. ሰራሕቲ ሓጸርቲ ፊልምታትን ዶክመንታሪን: እቲ ናይ ቪድዮ ዓቕማ ንፕሮፌሽናል ስራሕቲ ፊልም ዝበቅዕ እዩ።
  3. ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ኢንፍሉዌንሰራት (Social Media Influencers): ኣብ Instagram, TikTok ወይ YouTube ብሉጽ ጽሬት ዘለዎ ትሕዝቶ ንምፍጣር ዝጥቀሙላ።
  4. ቪድዮ ዘቐድሙ ሰኣልቲ (Video-First Hybrid Shooters): ካብ ስእሊ ንላዕሊ ንቪድዮ ዝያዳ ትኹረት ንዝህቡ ሰኣልቲ ዝበለጸት መሳርሒ እያ።
ብሓጺሩ እዛ Canon EOS R6 V "ፈጠርቲ ትሕዝቶ" (Content Creators) ዝተዳለወት፡ ንቪድዮ ናብ ዝለዓለ ደረጃ እተሰጋግር ካሜራ እያ!
ብ $2499 ቦዲ ጥራሕ ክንገዛ ንኽእል።
ንምግዛእ
PRE - ORDER
1
0 comments
Sirak Atobrhan
3
ሌላ ምስ ሓዳስ ካሜራ Canon EOS R6 V #2026
powered by
Ziko Academy ዚኮ-ኣካደሚ
skool.com/ziko-academy-4470
ምስ - ናይ 6+ ዓመት ተመኩሮ ስልጠና
ምስ 500+ ኣባላት ብምምሕዛው ኣብ ሞያታት
-ኣሳእላ ደረቅ ስእሊ
-ኣቀራርጻ ተንቀሳቀሲ ቪድዮ
-ዝሰኣልካዮም ስእልታት ኤዲት ምግባር ካልእን ኣብዚ ግሩፕ ኣቲካ ምስልጣን ይከኣል ።
Build your own community
Bring people together around your passion and get paid.
Powered by